ቦርድ መረፃ ምስ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዝተተሓሓዘ ምስ ፓርትታት ፖለቲካ  ይዝቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዝተተሓሓዘ ብፓርትታት ፖለቲካ ኣብ ዝቐረቡ ስምዕታታት ምስ ፓርትታት ይዝቲ ኣሎ፡፡

ብኣካቢት ቦርድ መረፃ ብርቱካን ሚዴቅሳ ዝምራሕ መድረኽ ዘተ÷ ፓርትታት ፖለቲካ ኣብ ልዕሊ ኣባላትናን ኣመራርሓታትናን ምንግልታዕን ምእሳርን እናበፀሐ እዩ ክብሉ ዘቕረብዎም ስምዕታታት መፃረይ ጉጅለ ብዝርዝር እናተመልከተ እዩ፡፡

እቶም ዝቐረቡ ስምዕታት መበገሲ ብምግባር ምስ ፓርትታት፣ ገዛኢ ፓርትን ካብቲ ቦርዲ ዝተወከለ ኣፃራይ ጉጅለ ብምልኣኽን ኣብ ከይዲ ምፅራይ ዘለው ፅቡቓትን ክእረሙ ዝግበኦም ጉዳያት ተመላኺቶም፡፡

ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ተወካሊ ፓርቲ ብልፅግናን መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ እቲ ፓርቲን ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ፤ ነቶም ስምዕታታት ብዕምቆት ብምምልካት ብደረጃ ኣፈፃሚ ስራሕ ሰብ ሓይሊ ተመዲቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

እቶም ፓርትታት ነቲ ጉዳይ ዝሃብዎ ትኹረት ብምንኣድ ንቐፃሊ እውን ጠንካራ ስራሕ ንክሰርሕ ሓቲቶም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment