ቦሪስ ጆንሰን ሓዊሱ ካልኦት 10 ላዕለዎት ሰብ መዚ እንግሊዝ ናብ ሃገራ ንከይኣትዉ ሩሲያ ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦሪስ ጆንሰን ሓዊሱ ካልኦት 10 ላዕለዎት ሰብ መዚ እንግሊዝ ናብ ሃገራ ንከይኣትዉ ሩሲያ ኣጊዳ።

ሩሲያ ኣብ ልዐሊ ዩክሬን ትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብዝምልከት እንግሊዝ ዝወሰደቶ “ቅዋም ፅልኣት” ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ሓዊሱ ካልኦት 10 ላዕለዎት ሰብ መዚ እንግሊዝ ናብ ሃገራ ንከይኣትዉ ኣጊዳ።

ብመሰረት እዚ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ እንግሊዝ ሊዝ ትሩስ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ቤን ዋላስን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚን ኣባላት ካቢኔን ናብ ሩሲያ ንከይኣትዉ እዩ እቲ እገዳ ተነቢሩ።

መንግስቲ ሩሲያ ኣብ መግለፂኡ፥ እንግሊዝ ንሩሲያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ንምግላልን ንምቁፅፃርን ኢሉ እውን ኢኮኖሚኣ ንምጉዳእ ዘይተፀንዐ ስጉምቲ ኣተሓላሊፋ፤ በዚ ድማ እንግሊዝ ተሓታቲት ኢያ ኢሉ ክብል ቢቢሲ፣ ዴይሊ ሜይል፣ ፖለቲኮ፣ ዩሮ ኒውስን ካልኦት ፍልፍላት ሓለም ለኸ ዜናን ፀብፂበን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment