ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን

ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኣብ ቻይና ናንጂንግ ምክያድ ጀሚሩ።

በዚ ድማ ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋ ሰለስቲአን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ናብ ፍርቂ ፍፃመ ክሓልፋ ክኢለን።

ኣትሌት ሃብታም ኣለም፣ ኣትሌት ፅጌ ዱግማን ኣትሌት ንግስት ጌታቸውን ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ዝሓለፋ ኣትሌታት ኢየን።

ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝሳተፉሎም ውድድር ፍርቂ ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ቀትሪ ሰዓት 7፡33 እንትካየድ÷ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ሰዓት 8፡18 ከምዝካየድ ሓበሬታ እቲ ፌዴሬሽን የመላኽት።

Comments (0)
Add Comment