ብ54 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ንዝህነፅ ፕሮጀክት መስኖ ኮሾ ርኽክብ ሳይት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ የም ፍሉይ ወረዳ ሳጃ ምምሕዳር ብ54 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ንዝህነፅ ፕሮጀክት መስኖ ኮሾ ርኽክብ ሳይት ተኻይዱ።

ኣብቲ ስነ ሰርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማይ መዓድንን ኢነርጂን እቲ ወረዳ ኣይተ ጂሀድ ሳንቢ፥ ናህሪ ናብሪ ንምቕናስ ግብርና ምዝማን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ልምዓት መስኖ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

መሃንዲስ ኤጀንሲ መስኖ እቲ ክልል ኣይተ ኣባይነህ ኣየለ ብግደኦም፥ እቲ ፕሮጀክት መስኖ ንምህናጽ ብ”ተቋራጭ” ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ማይ ደቡብን ትካል ቁፅፅር ዲዛይንን ህንፀትን ደቡብን ኣቢሉ ናብ ስራሕ ከምዝእተ ተዛሪቦም።

እቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 175 ሄክታር መሬት ምልማዕ ከምዘኽእለ ተገሊፁ።

ንልዕሊ 810 መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ከምዝገብር ድማ ኣይተ ኣባይነህ ገሊፆም ክብል ካብ ደሬቴድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/ ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment