ብ5000 ሜትር ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት 5000 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን።

ኣትሌት መዲና ኢሳ ብ14:39:71 ቀዳመይቲ ብምውፃእ ክብረወሰን ዓለም እቲ ውድድር ሜዳልያ ወርቂ ተዓዊታ።

ኣትሌት መቅደስ ኣለምሸት ድማ ብ14:57:44 ካልአይቲ ብምውፃእ ተሸላሚት ሜዳልያ ብሩር ኮይና።

ብተመሳሳሊ ብ5000 ሜትር ውድድር ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ ካልኣይ ብምውፃእ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ።

ካሊእ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ንብረት ክንዴ ሻድሻይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።

Comments (0)
Add Comment