ብ400 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ 200 ከተማታት ገፀር ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዋና ግሪድ ርሒቐን ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 200 ከተማታት ገፀር ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር እናሰርሐ ምዃኑ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኣገልግሎት፥ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዝተዋፈሩ ውልቀ ትካላትን ማሕበራትን ብምትሕብባር ኣብ ፕሮግራም ኣዴል ካብ ዋና ግሪድ ርሒቐን ዝርከባ ልዕሊ 200 ከተማታት ገፀር ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ንምግባፈር ስራሕቲ ምጅማሩ ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብፕሮግራም ብሄራዊ ኤሌክትሪፊኬሽን ካብ ዋና ግሪድ 65 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ካብ ፍልፍል ኣማራፂ ሓይሊ 35 ሚኢታዊ ዝኸውን ክፋል ሕብረተሰብ ተረባሒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ነቲ ፕሮጀክት 400ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓፈሻዊ በጀት ዝተትሓዘ ከምዝኾነ ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment