ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ከተማ ኣዲሰ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብ4 ነጥብ 2 ቢሊየን ብር ዝተሃነፀ ካልኣይ ክፋል ፕሮጀክት ማይ ለገዳዲ ሎሚ ኣመሪቐን።
ከንቲባ ከተማ ኣዲሰ ኣባባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ብዝገበርኦ መደረ÷ “ቀረብ ዝስተ ማይ ኣዲስ ኣበባ ነማሓይሸሉ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፕሮጀክትታት ከርሰ ምድሪን ገፀ ምድሪን ግሁድ ብምግባር እዩ” ኢለን።
ሓረስቶት ወረዳ በረኽ ነዚ ፕሮጀክት ማይ ግሁድ ንክኾን ዓብይ ምትሕብባር ምግባሮም ተዛሪበን።
እቲ ፕሮጀክት ፈላማይ ዓብይ ማይ ከርሰ ምድሪ ከምዝኾነን ን860 ሽሕ ዜጋታት ኣገልግሎት ከምዝህብን ተገሊፁ።
እቲ ፕሮጀክት ብምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 4 ነጥብ 2 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረ እንትኾን፤ ኣብ መዓልቲ 86 ሽሕ ሜትር ኪዩብ ማይ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ።
12 ኪሎ ሜትሮ ዋና መስመር ማይ፣ 72 ኪሎ ሜትሮ መስመር ማይ መተኣኻኸቢ፣ 99 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ መከፋፈሊ መስመር፣ ክልተ ዓበይቲ ጣብያት ድፍኢት መውሃቢን 38 ኪሎ ሜትሮ ፕሮጀክት መዕረፊ መንገዲ ዝሓቖፈ ምዃኑ ኣብቲ እዋን ምረቓ ተገሊፁ።
ህንፀት ስራሕቲ ሜካኒካል ኤሌክትሮንን ኣብ ከባቢ እቶም ጉድጓዳት ዝሰርሑ ስራሕቲ ሲቪልን ዝሓዘ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com