ብ1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ወፃኢ ንዝህነፅ ኩባንያ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቦሌ ለሚ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ወፃኢ ተገይሩሉ ንዝህነፅ ኩባንያ ኮርፖሬሽን ፓርክታት ኢንዱስትሪ እምነ ኹርናዕ ኣንቢሩ።

ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ካሚል ኢብራሂም፣ ምክትል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኮርፖሬት ምምሕዳር ሃፍቲ ኣለማየሁ ሰይፉን ማኔጅንግ ዳይሬክተር ፔሪ ሜትር ኮንሰልቲንግ ቤተልሄም ጥላሁንን እቲ እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮምዎ።

እቲ ዝህነፅ መፍረዪ ካብ ፍርያት ጣፍ ዝተፈላለዩ ስናካትን ደረቕ ዓይነታት ምግቢን ዘፍሪ እንትኸውን ብፔሪ ሜትር ኮንሰልቲንግን ትሬዲንግ ኩባንያን ኣቢሉ ዝህነፅ ኢዩ።

ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ካሚል ኢብራሂም ኣብቲ እዋን÷ ናብቲ ኮርፖሬሽን ንዝመፅኡ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ኣድላዪ ድጋፍን ክትትልን ከምዝግበር ኣረጋጊፆም።

ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዝህነፅ ኣብ 11 ሄክታር ዝለምዐ መሬት ንምህናፅ እምነ ኩርናዕ ዝተቐመጠሉ ፔሪ ሜትር ኮንሰልቲንግ ኩባንያ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝግበረሉ እውን ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ስራሕቲ ህንፀቱ ተዛዚሙ ንሙሉእ ዓቕሙ ምፍራይ እንትጅምር ፍርያታቱ ናብ ሃገራት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ርሑቕ ምብራቕን ከምዝልእኽእ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment