ብፕሮግራም ኤሌክትሪፊኬሽን ልዕሊ 10 ሚሊየን ዜጋታት ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብሄራዊ ፕሮግራም ኤሌክትሪፊኬሽን ልዕሊ 10 ሚሊየን ዜጋታት ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ”ብሄራዊ ኤሌክትሪፊኬሽንን” ን ”ኣዴል” ን ናይ ዝተብሃሉ ፕሮግራማት ኣፈፃፅመኦም ይግምግም ኣሎ።

ኣማኻሪ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሞቱማ መቃሳ ኣብቲ እዋን÷ ተባፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምስፋሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንኣብነት ድማ ”ብሄራዊ ኤሌክትሪፊኬሽን”ን ”ኣዴል”ን ዝተብሃሉ ፕሮግራማት እናተተግበሩ ከምዝኾኑ ፀሪሖም፡፡

ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 625 ዶላር እናተተግበረ ኣብ ዝርከብው ፕሮግራም ”ብሄራዊ ኤሌክትሪፊኬሽን” ልዕሊ 10 ሚለየን ዜጋታት ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣልዒሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ”ኣዴል” ብዝትብሃለ ፕሮግራም 5 ሚሊየን ዜጋታት ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር እናተሰርሀ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ንመፈፀሚ እቲ ፕሮግራም 500 ሚሊየን ዶላር በጀት ከምዝተትሓዘ ገሊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment