ብፕሬዚዳንት ፑቲን ዝቐረበ መመሓየሺ ሕገ-መንግስቲ ብፓርላማ ሩሲያ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርላማ ሩሲያ ብፕሬዚዳንት ብላድሚር ፑቲን ዝቐረበ መመሓየሺ ሕገ-መንግስቲ ብኣብዛሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ መመሓየሺ ሕገ-መንግስቲ ዕድመ ስልጣን ፕሬዚዳንት ፑቲን ንምንዋሕ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሩሲያ፥ 77 ነጥቢ 1 ብዝኾነ ኣብዝሓ ድምፂ ኢዩ ነቲ መመሓየሺ ሕገ-መንግስቲ ኣፅዲቑዎ።

ብመሰረት እቲ ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ኣብ መንበረ ስልጣን ዝርከቡ ፕሬዚዳንት ብላድሚር ፑቲን ንዝቕፅሉ ክልተ ዙራት ብፕሬዚዳንትነት ክወዳደሩ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ።

ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ድማ እቲ ዝተመሓየሸ ሕገመንግስቲ እናተቓወሙዎ ይርከቡ።

እተቶም ፓርቲታት ነቲ ዝተመሓየሸ ህገመንግስቲ ኣፍልጦ ከምዘይህቡ ኣፍሊጦም።

ወሃቢ ቓል ክሬሚሊን ዲሚትሪቭ ፔስኮቭ ብግደኦም፥ በቲ ዝተገበረ መመሓየሺ ሕገ-መንግስቲ ዓወት ከምዝሓፈሱ ተዛሪቦም።

Comments (0)
Add Comment