ብፕሬዚዳንት ክልል ላዝዮ ዝተመርሐ ልኡኽ መቐለ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ኣብ ሃገረ ጣልያን ናይ እትርከብ ክልል ላዝዮ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መቐለ ኣትዩ።

ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

ሉኡኽ ክልል ላዝዮ ሃገረ ጣልያን ኣብ ፃንሒቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ክዝቲ እዩ።

ኣብ ኲሓ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል፣ ዩኒቨርስቲ መቐለን ካልኦት ቦታታትን ዑደት ከምዝገብር እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment