ብፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ጅግጅጋ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ዝተመርሐ ልኡኽ ሎሚ መዓልቲ ናብ ከተማ ጅግጅጋ ኣቲዩ።

እቲ ልኡኽ ጅግጅጋ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ገራድ ዊልዋል እንትበፅሕ ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድን ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ኣቀባብላ ተገይሩሉ፡፡

ኣመራርሓታት ሶማሊላንድን ክልል ሶማሌን ድማ ኣብ ጉዳያት ንግዲ፣ ኣብ ዶብ ከባ ዘሎ ኩነታት ፀፅታን ጠሚቶም ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ጠለብ ጋህዲ ዝገብር፣ ኣማራፂታት በሪ ባሕሪ ዘስፍሕ፣ ናይ ክልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ፀፅታን ኢኮኖሚን ምትሕብባር ዘጠናኽር ሰነድ ስምምዕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ንፕሬዚዳንትሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብዲን ከምዝተፈራረሙ ይፍለጥ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment