ብፍቕሪ ንደመረ ብይቕረ ይቕረ ንሳገር-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል ሳልሳይ ዓመት ራብዓይ ዘበን ስሩዕ ኣኼብኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ የሳልጥ ኣሎ።

ጎንፅታት ካብ ጉዕዞና ዘተዓናቕፉን መዕነውቲን ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናትና ድልየት ሰላም ኢዩ ኢሎም።

ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሞን ብዝተኸባበረ ብሓድነት ብምባር ጥራሕ ኢዩ ዘለዎም ኣማራፂ፤ ካልኦት ብሄራት እውን እንተኾኑ በዚ ልክዕ ኢዮም ከተግብሩ ዝግባእ ብምባል ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ፀገም እንተጋጢሙዋ ካብቲ ፀገም ንምውፃእ ፕሮጀክትታታ ዓፂፋ ካብዚ ንምውፃእ ክተውዕሎ ትኽእል ኢያ ብሓይሊ መንግስቲ ንምዕላው ብዕጥቂ ንዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ግን ደገፍ ዝገብር ሃገር ወይ መንግስቲ የለን ኢሎም።

ናትና ሓሳብ “ብፍቕሪ ንደመረ ብይቕረ ይቕረ ንሳገር” ዝብል ኢዩ ብምባል እውን ተዛሪቦም።

ናትና ሓሳብ ፍቕሪ፣ ሰላም፣ ሓድነትን ምክብባርን ኢዩ ስለዚ ኣብ ጫካታት ዘለዉ ዕጡቓት ናብዚ ክድመሩን ብሰላም መገዲ ክቃለሱን  ኢዩ ዝግበኦም ክብሉ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment