ብፃዕሪ ምክልኻል ግዕዚይና ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ሃፍቲ ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ ባጀት ዓመት ብፃዕሪ ምክልኻል ግዕዚይና ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ሃፍቲ ከምዝተመለሰ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዚይናን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ሃፍቲ ብመልክዕ መሬት፣ ጥረ ገንዘብ፣ ናውቲታትን ካልኦት መገዲታትን ክውሰድ ከምዝነበረ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ጀማል ረዲ ኣብሪሆም።

ኣብ ገበን ግዕዚይና ተሳቲፎም ዝተረኸቡ ኣመራርሓታት፣ ሰራሕተኛታትን ካልኦትን ብምምሕዳር ሕጊ ተሓተትቲ ከምዝተገበሩ ንግዜኢ ተዛሪቦም።

Comments (0)
Add Comment