ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ንቤተሰብ ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተኸበረ ብዓል ጥምቀት ብዝበፅሐ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ምፅንዕናዕ ተመኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ንቤተሰብ ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተኸበረ ብዓል ጥምቀት ትማሊ ብዝበፅሐ ሓደጋ ምፍራስ ርብራብ ዕንጨይቲ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብዓል ጥምቀት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ብሰላማዊ ኩነታት ምዝዛሙ ኣፍሊጦም።

ይኹን እምበር ኣብ ውሱናት ከባቢታት ፀገማት ከምዝነበሩ ዝሓበሩ እቶም ፓትሪያሪክ፥ ብፍላይ ኣብ ከተማ ጎንደር ሰባት ደው ክብልሉ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ርብራብ ዕንጨይቲ ብምፍራሱ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።

ብምኽኒያት እቲ ዝበፅሐ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ ከምኡ እውን ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ኣካል ዝበፅሖም ምእመናን ከምዘለዉ ድማ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ንቤተሰብ እቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ወገናት ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

Comments (0)
Add Comment