ብፀገም ፀፅታን ቀረብ ሓይሊን ስራሕ ዘቋረፁ 2 ሺሕ ዝኾኖኑ ኢንተርፕራይዛት ስራሕ ንምጅማረ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብፀገም ፀፅታን ቀረብ ሓይሊን ስራሕ ዘቋረፁ 1 ሺሕ 929 ኢንተርፕራይዛት ስራሕ ንምጅማረ ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ኢንተርፕራይዝ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኢንተርፕራይዝ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣፈጻፅማ ስራሕ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ ትካል ኣመራርሓታት፣ ሰራሕተኛታት፣ ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ገንዘብን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተገምጊሙ።

ዳይሬክተር እቲ ኢንተርፕራይዝ ኣይተ ብሩ ወልዴ፥ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 2 ሺሕን 907 ሓደሽቲ ኢንተርፕራይዛት ተጣይሾም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም።

እቶም ሓደሽቲ ኢንተርፕራይዛት ድማ ን36 ሺሕ ዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ከምዝሀኣሉ ገሊፆም።

ነባር ኢንተርፕራይዛት ኣብ ምጥንኻር እውን ልዕሊ 7 ሺሕን 613 ነባር ኢተርፕራይዛት ብምጥንኻር ን37 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ከምዝኸኣሉን ብኣንፃሩ ድማ ልዕሊ 1 ሺሕን 929 ኢንተርፕራይዛት ብፀገም ፀፅታ፣ ቀረብ ሓይሊን ሕፅረት እታወትን ስራሕ ከምዘቋረፁን ኣልዒሎም።

ስራ ካቋረጡት ኢንተርፕራይዞች ውስጥ አብዛኞቹ አሸባሪው ህወሓት በአማራ እና አፋር ክልሎች በፈጸመው ወረራ ሙሉ በሙሉ የወደሙ እንደሚገኙበት ጠቅሰዋል።

እቶም ኢንተርፕራይአዛት ናብ ስራሕ ንምእታው እውን ምስ ዝምልከሎም ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment