ብጎንፂ ጉድኣት ዝበፅሖም ከባቢታት መሊስካ ንምህናፅ ዝውዕል 60 ሚሊየን ዶላር በጀት ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ኮሚቴ ፕሮጀክት ብጎንፂ ጉድኣት ዝበፅሖም ከባቢታት መሊስካ ምህናፅ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ብጎንፂ ጉድኣት ኣብ ዝበፅም ከባቢታት  ንተግባር ዳግመ ህንፀትን ዝውዕል 60 ሚሊየን ዶላር በጀት ኣፅዲቑ፡፡

ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እቲ ዓብዪ ኮሚቴ÷ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ምን ትልሚ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ምን ፕሮጀክት ብጎንፂ ጉድኣት ዝበፅሖም ከባቢታ መሊስካ ምልማዕ ዘተ ተገይሩ፡፡

ኣብ 2016 ዓ.ም መዳርግቲ ኣካላት ትፅቢት ዝግበረሎም ሃላፊነት ብምውፃእ ንሕብረተሰብ ክቐርቡ ዝግበኦም መሰረታዊ ግልጋሎታት ተግባራዊ ንምግባ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ ኣንፈት ተነቢሩ፡፡

ትግባራት እቲ ትልሚ ንምውጋን ድማ 60 ሚሊየን ዶላር በጀት ብኣባላት ዓብዪ ኮሚቴ እቲ ፕሮጀክት ከምዝፀደቐ ካብ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ወይዘሮ ሰመሪታ ሰዋስውን ሚኒስትር ዴኤታ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ወይዘሮ አለሚቱ ኡሙትን ተረኺበን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment