ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብጥሕሰት ግድፈት ስነ-ምግባር መንግስቲ ክስእኖ ዝነበረ ልዕሊ 268 ሚሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኸኣለ ኮሚሽን ጉምሩ ገሊፁ።
ኣብቲ ኮሚሽን ምክትል ኮሚሽነር ዘፈር ኦፕሬሽን ኣይተ ኣዘዘው ጫኔ÷ ኣብቲ ኮሚሽን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ለውጢ ዕንቅፋት ከየጋጥሙን ስርቂን ብልሹዋት ኣሰራርሓታትን ካብ ፍልፍሎም ንምድራቕ እናየተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ኮሚሽን ስርዓት መከታተሊ ስነ-ምግባር ስርሑ ሳይንሳዊ ናብ ዝኾነ ትካላዊ ስግኣትን ስርዓት ኣመራርሓ ስራሕን ከምዝተሰጋገረ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ በጀት ዓመት 2016 እውን ጥዕና እቲ ትካል ንምሕላው ዘኽእሉ ስራሕቲ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኣብዚ በጀት ዓመት ብዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ስነ-ምግባር ኣብ ልዕሊ 417 ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ስጉምቲ ዲሲፕሊንን ምምሕዳራዊን ከምዝተወሰደ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com