ብግዝፈቱ ካብ ዓለም ካልኣይ ዝኾነ ዳይመንድ ኣብ ቦትስዋና ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግዝፈቱ ካብ ዓለም ካልኣይ ከምዝኾነ ዝተነገረሉ ዳይመንድ ኣብ ቦትስዋና ተረኺቡ፡፡

ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዳይመድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1905 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተረኸበ እንትኸውን÷ 3 ሺሕ 106 ካራት ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ሕዚ ኣብ ቦትስዋና ዝተረኸበ ዳይመንድ ድማ 2 ሺሕን 492 ካራት ከምዝኾነን ብዕቤቱ ካብ ዓለም ካልኣይ ከምዝኾነን እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ፡፡

ቦትስዋና መዓድን ዳይመንድ ካብ ዝርከበለን ሃገራት ዓለም ቅድሚት ትፅዋዕ ሃገር ከምዝኾነት እውን ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment