ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብግዕዝይና ዝተመዝገበ ልዕሊ 700 ሚሊየን ብር ገንዘብ ምእጋዱ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብግዕዝይና ዝተዘረፈ ገንዘብ፣ መሬት፣ ገዛን ተሸከርከርቲን ሓዊሱ ካልኦት ሃፍቲታት ተኸታቲሉ ከምዘምለሰ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡
በዚ ድማ 10 ሺሕ ካሬ ሜትሮ መሬት ሓዊሱ ልዕሊ 88 ሚሊየን ብር ከምኡ እውን ተሸከርከርቲን መንበሪ ኣባይቲን ተመሊሶም ተባሂሉ፡፡
ኣብ ክትዕ ዘለዉን ክሲ ዝተመስረተሎምን ሃፍቲታት ህዝቢን መንግስቲን ንኽእገዱ ከምዝተገበረ እውን ተመልኪቱ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com