ብግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ጉድኣት ዝበፅሖም ከተማታት ናብ ምንቅስቓስ ክኣትዉ ምግባር የድሊ – ሓለፍቲ ቢሮ ገንዘብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ጉድኣት ዝበፅሖም ከተማታት ናብ ምንቅስቓስ ክኣትዉ ምግባር ከምዝግባእ ሓለፍቲ ቢሮ ገንዘብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ሓላፊ ቢሮ ገንዘብ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ጥላሁን መሃሪ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ወራር ኣብ ዝፈፀመሎም ከተማታት ወረዳን ዞባን ልዑል ዕንወት ምብፅሑ ተዛሪቦም፡፡

ብፍላይ ናይ ኢንዱስትሪ ከተማ ኮምቦልቻ ሓዊሱ ደሴን ካልኦት ከተማታትን ብዝበፅሐ ዕንወት ምኽያት፥ ትካላት መውሃቢ ኣገልግሎት መንግስቲ ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕ ጠጠው ከምዘበሉ ተዛሪቦም።

ኣብተን ከተማታት ብምኽንያት ዝበፅሐ ዕንወት መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኽቦ ኣታዊ ከምዝነከየ ገሊፆ።

ኣብቲን ከተማታት ዝዓነዉ ትካላት መውሃቢ ኣገልግሎት መሊስካ ምህናፅ የድሊ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ቢሮ፥ ነዚ ድማ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ሓዊሱ ሰብ ሃፍቲ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ከምዝግባእ ፀዊዖም።

ሓላፊ ቢሮ ገንዘብ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ቶሎሳ ደገፋ ብግደኦም፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ውሑዳት ከባቢታት መገዲ ብምዕፃውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ራዕዲ ብምፍጣርን ምንቅስቓስ ንግዲ ሕብረተሰብ ከምዘተኣጓጎለ ብምግላፅ፤ ኣብ ኣታዊ መንግስቲ እቲ ክልል ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ኣብሪሆም፡፡

እቶም ግብረ ራዕዳውያን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ኢትዮጵያውያን እናተደምሰሱ ከምዝርከቡን ኣብቲ ክልል ጉድኣት ዝበፅሖም ከተማታት ኣብ ስሩዕ ምንቅስቓስ ከምዝርከቡን ገሊፆም፡፡

ናይ ሓደ ክልል ፅዕንቶ ኣታዊ ናይ ኩሉ ከባቢ ፀገም ስለዝኾነ፥ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝዓነዉ ከተማታት ንምጥያሽ ሓበራዊ ርብርብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከምዘድሊ እውን ኣፅንዖት ሂቦም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment