ብግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ኣብ 4 ክልላት 2 ሽሕን 921 ትካላት ጥዕና ዓንዮም ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ኣብ 4 ክልላት 2 ሽሕን 921 ትካላት ጥዕና ዓንዮም ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስተር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ምስ ዜና መፅሄት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ቴሌፎን፥ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ቬኒሻንጉል ጉሙዝን ከምኡ እውን ኣብ ዝተወሰኑ ከባብታት ክልል ኦሮሚያን ብናይ ጥፍኣት ኣእዳው ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ዘፈር ጥዕና ዕንወት በፂሕዎ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ 40 ሆስፒታላት፣ 450 ጣቢያታት ጥዕናን ኬላታት ጥዕናን ብቶም ጉጅለታት ፀረ ህዝቢ ብምዕናው ዓብዪ ጉድኣት በፂሑ እዩ፡፡

ግልጋሎት ጥዕና ናይ ፀጥታ ፀገም ኣብ ዘለዎም ኣገልግሎት ሃንደበታዊ ብምውፋር ኣብ ኲናት ተንቀሳቓሲ ሕክምና ብምሃብን ኣብ ዝዓነዉ ከባብታት መሊስካ ብምህናፅ ንዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር ፃዕሪ ተገይሩ እዩ ኢሎም ዶክተር ደረጀ ዱጉማ።

በዚ ድማ 600 ሚሊየን ብር ናይ ሕክምና ናውትን መድሓኒታትንዕንወት ንብ ዘጋጠሞም ከባብታት ምንቅስቓሶም እቶም ሚኒስተር ገሊፆም፡፡

እዚ ድማ ደሴ፣ ሃይቅን ኮምቦልቻን ሓዊሱ 11 ሆስፒታላት ብቕልጡፍ በምጥያሽ ተማዛቢሎም ዝነበሩ ወገናት ሕክምና ምሃብ ምጅማር ተኻኢሉ እዩ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ናይ መንግስቲ ሆስፒታላት፣ ውልቀ ሆስፒታላትን ዲያስፖራታትን መሊስካ ብምጥያሽ ልዑል ኣበርክቶ ገይሮም እዮም እውን ኢሎም፡፡

በቲ ኲናት ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋዊያንን ሕክምና ክረኽቡ ብምግባር ሰነ-ልቦናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ከምዝተገብረ እውን እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣልዒሎም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment