ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ፈሪሱ ዝነበረ ድልድል ኣልውሃ ፅገንኡ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014 ( ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ፈሪሱ ዝነበረ ድልድል ኣልውሃ ፅገንኡ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ።

እቲ ጉጅለ ዝበፅሖ ውቅዒት ምፅዋር ምስኣበዮን እንትሃድምን ድልድል ኣልውሃ ኣፍሪሱ ከምዝኸደ ይፍለጥ።

እቲ ከባቢ ካብቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ናፃ ምውፅኡ ስዒቡ ዝተጀመረ ፅገና ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ፡፡

መሃንዲስ ፕሮጀክት ድልድል ኣልውሃ ኢንጅነር ዮሃንስ ኣያሌው ከምዝገለፁዎ፥ ስራሕቲ ፅገና እቲ ድልድል ኣብ ውሽጢ ሰውዓተ መዓልቲ ተዛዚሙ ኢዩ።

ህንፀት እቲ ድልድል ሙሉእ ብሙሉእ ብሓፂን ዝተሰርሐ እንትኸውን፥ ከባቢ 55 ሜትሮ ንውሓት ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment