ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዝበፅሖ መስመር ፋይበር ኦፕቲክስ ናይ ምፅጋን ስራሕቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዝበፅሖ መስመር ፋይበር ኦፕቲክስ (OPGW) ናይ ምፅጋን ስራሕቲ ይሳለጥ ኣሎ።

መካየዲ ስራሕ ቢሮ ኦፕሬሽን ፋይበር ኦፕቲክስን ፅገናን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ኤርሚያስ ገብረመድህን ከምዝሓበሩዎ፥ ካብ ኮምቦልቻ- ሰመራ፣ ካብ ሸዋሮቢት – ኮምቦልቻ፣ ካብ ኮምቦልቻ- ኣላማጣ ከምኡ እውን ካብ ኮምቦልቻ- ኣቀስታ ህወሓት ኣብ ጫፍ ዓምዲታት መተሓላለፊ መስመር ኤሌክትሪክ ተዘርጊሖም ዝነበሩ ፋይበር ኦፕቲክ መስመራት ልዑል ጉድኣት ኣብፂሑ ኢዩ፡፡

እቶም መስመራት ኦፕቲክስ ንመስመራት መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከለላ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ንስራሕቲ ቴሌኮሙዩኒኬሽንን ካብ ጣቢያታት መፈልፈሊን መከፋፈሊን ሓይሊ ሓበሬታታት ናብ ብሄራዊ ማእኸል መቆፃፀሪ ሓይሊ ንምብፃሕ ከምዝሕግዙ እቶም መካየዲ ስራሕ ኣብሪሆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment