ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነው ትካላት ማይ መሊስካ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝተገበረ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ ኣስታት 1 ነጥቢ 9 ቢሊዮን ዝግመቱ ትካላት ማይ ኣፃዳፊ ፅገና ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ መሊስካ ምጥያሽ ውፅኢት ምምፃኡ ተገሊፁ፡፡

ቢሮ ማይን ኢነርጂን እቲ ክልል በጀት ዓመት 2015 ትልሚ ስራሕ እናገምገመ እዩ፡፡

ሓላፊ እቲ ቢሮ ማማሩ ኣያሌው እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ 86 ወረዳታት ዝርከቡ ትካላት ማይ ብዘብፀሖ ጉድኣት 8 ሚሊዮን ህዝቢ ቀረብ ፅሩይ ማይ ተሓሊኹዎ ከምዝነበረ ተዛሪቦም፡፡

ልዕሊ ፍርቂ ቢሊዮን ወፃኢ ብምግባር ንቶም ትካላት መሊስካ ብምጥያሽ 2 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ህዝቢ ተረባሒ ንምግባር ከምዝተኸኣለ እውን ገሊፆም፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2015 ጽሩይ መስተ ማይ ብ3 ነጥቢ 4 ሚኢታዊት ንምዕባይ፤  መማረፂ ቀረብ  ኢነርጂ፤ ሳኒቴሽን ከተማን ፤ኢንቨስትንመንት ማይን ካልኦትን ስራሕቲን ንምስራሕ ብውፅኢታዊነት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ .

ብተወሳኺ ድማ  1ሽሕን 682ን ዓበይቲ ፅገናታት ከምዝግበሩን ኣብ ከተማታት ዘሎ 22 ነጥቢ 62 ሚኢታዊት ብኽነት ማይ ናብ 20 ሚኢታዊት ንምንካይ ከምዝተተለመ ተመላኺቱ፡፡

ንዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንዘመዝገቡን ንዝደገፉን ኣካላት ድማ ፍልጠት ምስጋና ከምዝውህብ ትፅቢት ይግበር፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment