ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ 14 ሆስፒታላትን ልዕሊ 60 ጣቢያታት ጥዕናን ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ 14 ሆስፒታላትን ልዕሊ 60 ጣቢያታት ጥዕናን ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እቶም ሆስፒታላትን ጣቢታት ጥዕናን ብዝተገበረሎም ዳግመ ፅገና ኢዮም ኣገልገሎት ምሃብ ክጅምሩ ክኢሎም ዘለዉ።

እተን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ጥምረት ምትሕብባር ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰናደኦ ናይ ዙም ዘተ ተሳቲፈን ኣብ ስራሕቲ መሊስካ ህንፀት ዘፈር ጥዕና መብርሂ ዝሃባ እንትኾና፥ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተጎድኡ ዜጋታትን ዝዓነዉ ትካላትን መሊስካ ንምጥያሽ ሰፊሕ ሃፍቲን ቅልጡፍ ምላሽን ዘድልዮ ከምዝኾነ ገሊፀን።

መንግስቲ ንመሊስካ ህንፀት ትልሚ ሓንፂፁ ይሰርሕ ኣሎ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ብፍላይ ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ንምጥያሽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ሆስፒታላት ሓላፍነት ወሲደን መሳርሒታት ሕክምና ንኸማልኡ እናተገበረ ይርከብ ኢለን።

ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ስራሕ ፅገና ድማ 14 ሆስፒታላትን ልዕሊ 60 ጣቢያታት ጥዕናን ናብ ስራሕ ክምለሱ ክዝተገበረ ኢየን እተን ሚኒስትር ዝገለፃ።

ስለዝኾነ ድማ እቶም ትካላት እንተነኣሰ መሰረታዊ ዝበሃሉ ኣገልግሎት ወሊድ ኣደታት፣ ህፁፅ ሕክምና ህፃናትን ሃንደበታዊ ሕክምናን ንኽህቡ እናተገበረ ይርከብ ኢለን።

ኣብ ከይዲ መሊስካ ህንፀት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያን እናገበሩዎ ዝርከቡ ሓገዝ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ብምፅራሕ ምስጋና ምቕራበን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment