ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ልዕሊ 18 ሺሕን 900 ኢንተርፕራይዛት ዓኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣካላት ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ኣፈፃማ ትልሚ በጀት ዓመተ 2013ን ዝተትሓዘ ትልሚ እዚ ዓመትን ኣመልኪቶም ይዛቱዩ ኣለዉ።

እቲ መድረኽ ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ምስ ሚኒስቴር ሕርሻ፣ ኤጀንሲ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ውሕስና ምግቢ ከተማታትን ፌዴራልን በዓል መዚ ማእኸላይን ኣናእሽተይን ማኑፋክቸሪንግ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪን ብምትሕብባር ዝተሰናድአ ኢዩ።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ማሕበራዊ ክላስተርን ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሙሉነሽ ኣበበ ኣብ ዝገበረኦ ዘረባ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 5 ሚሊየን ህዝቢ ኣብ ልዑል ፀገም ኣትዩ ኣሎ ኢለን።

ዞባታት ሰሜን ወሎ፣ ዋግህምራ፣ ሰሜንን ደቡብን ጎንደር ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ልዑል ዕንወት ንብረት በፂሑዎም ምባለን ኣሚኮ ፀብፂቡ።

ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ልዕሊ 18 ሺሕን 900 ኢንተርፕራይዛ፣ ልዕሊ 23 ኮሌጃት፣ ብዚሓት ኣቑሑት ላብራቶሪን መፍጠሪ ዕድል ስራሕ ትካላትን ከምዝዓነዉ ኣብሪሀን።

ዝቕፅል ትልሚ ፈጠራዕድል ስራሕ እውን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝዓነዉ ትካላት መሊስካ ምልማዕ ቀንዲ ስራሕ ቅኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኮሚሽነር ፈጠራዕድል ስራሕ ንጉሡ ጥላሁን፣ ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ሰኒ ረዲ ሓዊሱ ካብ ፌዴራልን ክልላትን ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን መዳርግቲ ኣካላት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment