ብግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ብራዚል ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ ብራዚል ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጥ ኣሎ።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብታ ሃገር ኣብ ዓውዲ ግብርና ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዲ ንምውሳድ ዝዓለመ ዑደት ኢዩ ዘካይድ ዘሎ ተባሂሉ።

ኣብ ብራዚል ኣብ ምህርቲን ፍሪያትን ዘጋጠሙ ብድሆታትን ዝተፈትሕሉ ሜላን፣ ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ኣብ ምስሳን ምህርቲ ዝተረኸበ እወንታዊ ውፅኢት በዝምልከት እውን እቲ ልኡኽ ተዓዚቡ።

መንግስቲ ብራዚል ውሕስነት ምግቢ ዜጋታት  ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ውፅኢታት ግብርና ናብ ወ3ፃኢ ሰደድ ብምግባር ኣብ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ልዑል ለውጢ ምምፃእ ከምዝኸኣለ ምግላፁ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment