ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህዋሓት ኢዳ ብጥይት ተወቒዓ ዝተጎድአት ተምሃሪት መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ትወስድ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህዋሓት ኢዳ ብጥይት ተወቒዓ ዝተጎድአት ተምሃሪት ቃልኪዳን ተኮላ ካብ ሕማማ እንተይደሓነት ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ትወስድ ኣላ።

ተምሃሪት ቃል ኪዳን ተኮላ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ኮምቦልቻ ትመሃር እንትኸውን፥ 12 ሕዳር 2014 ዓ.ም ኢዩ ጉድኣት በፂሑዋ።

እታ ተምሃሪት ፀጋማይ ኢዳ ብጥይት ዝተወቕዐት ይኹ እምበር ናይ የማናይ ኢድ ነርቫ እውን ክትፅሕፈሉ ከምዘይትኽእል ነቲ ቤት ትምህርቲ ብምምልካታ እቲ ፈተና እናንበበትን ብሓገዝ ሰብ እናተፀሓፈላን ፈተና እናወሰደት ከምትርከብ ተገሊፁ፡፡

ርእሰ ምሕዳር እቲ ቤት ትምህርቲ መምህር በቀለ ወርቁ፥ ብምኽንያት እቲ ኵናት ክልቲኦም ኣእዳዋ ጉድኣት ዝበፅሖም ተምሃሪት ቃል ኪዳን ተኮላ እቲ ቤት ትምህርቲ ፈታኒ ብምምዳብ ፈተና ክትወስድ ከምዝተበረ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment