ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተፈፀሙ ገባናት ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ከምዝተጀመረ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ካብ ወፍርሒ ሰነ 2013 ዓ.ም ንደሓር ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተፈፀሙ ገባናት ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ከምዝተጀመረ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

ብሚኒሰስቴር ፍትሒ ዝምርሑ ምርመራ ገበንን ናይ ምቕፃዕ ጉጅለታት ብህወሓት ዝተፈፀሙ ገበናት ብምፅራይ ኣጥፋእቲ ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር ዘኽእሎ ምርመራ ገበን ኣብቶም ገበን ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ብምርካብ ምርመራ ጀሚሮም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ቅድሚ ሕዚ ብመንግስቲ ዝተኣወጀ በይናዊ ምቁራፅ ተኹ ብምጥቃም ወራር ብምፍፃሙ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝፈፀሞም ገበናት ብዝምልከት ብሚኒስቴር ፍትሒ መግለፂ ምሃቡ ይዝከር።

ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፣ ፖሊስ ክልላትን ምስ ቢሮ ፍትሒ ክልላትን ከምኡእውን ካልኦት ሓገዝቲ ሓይሊታት ዝተሳተፉሉ ጉጅለ ብምውዳብ ስራሕቲ ምርመራ ክጅመር ገይሩ ኣሎ፡፡

እቶም ጉጅለታት ምርመራ በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ተታሒዞም ዝነበሩን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ጥምረት ሐሳይሊታት ፀፅታን ናፃ ኣብ ዝወፅኡ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን በቲ ጉጅለ ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝበፅሑ ምጥፋእ ሀርይወትን ጉድኣት ኣካልን፣ ምምዝባል ዜጋታት፣ ዕንወት ንብረትን ካልኦትን እግሪ እግሪ ብምክትታል ሰፊሕ ስራሕቲ ምርመራ እናካየደ ይርከብ፡፡

ብመሰረት እዚ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝመርሖ ኮሚቴ ምርመራን መቕፅዒን ስርሑ ንምስላጥ ዘኽእሎ ጉጅለ ምርመራ ገበን ብምውዳብ ኣብ ክልል ዓፋር ሓደ ጉጅለን 2 ንኡሳት ጉጅለታት ዘለዉዎ ምርመራ ኣዋፊሩ።

ኣብ ሸዋሮቢት ሓዊሱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝርከባ 10 ወረዳታት፣ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝርከባ 8 ወረዳታት፣ ፍሉይ ዞባ ማሕበረሰብ ኦሮሞ፣ ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን፣ ጋሸና ሓዊሱ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝርከባ ወረዳታት ብምሽፋን ምርመራ ዘካይዱ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ምርመራታት ናብቲ ቦታት ብምልኣኽ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፈፀሞም ገበናት እናመርመሩ ይርከቡ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ዋግ ህምራን ወልዲያን ከተማታት ተመሳሳሊ ምርመራ ገበን ዘካይድ ጉጅለ ናብተን ከተማታት ተላኢኹ ተባሂሉ፡፡

ዝተፈፀሙ ገበናት ዓለም ለኻ ገበናት ዘጣይሹ ስለዝኾኑ፥ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ዝካየዱ ምርመራታት ዓለም ለኸ መለክዒ ንኸማልኡ ብሕጊ ዓለም ለኸ ዝተመሓየሸ ፍልጠትን ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ዘለዎም ሰብ ሞያታት ብምስታፍ ቼክሊስት ናይ ምድላው ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብመሰረት እዚ እቶም ጉጅለ ምርመራታት ጉጅለ ጥፍኣት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፈፀሞም ቅትለታት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ምምዝባል ዜጋታት፣ ዝዓነዉ ሓድጊታት፣ መሰረተ ልምዓታት፣ ንብረት መንግስቲን ውልቀ ሰባትን ከምኡ እውን ካልኦት ዝፈፀሞም እኩይ ተግባራት ብቼክሊስት እናተመርሑ ስራሕቲ ምርመራ ቀትርን ለይቲን እናሰርሑ ይርከቡ ተባሂሉ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment