ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ቅድሚ ወዲ 4 ዓመት ወዳ ዝተዓመፀት ናይ 5 ወርሒ ጥንስቲ ኣዶ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ቅድሚ ወዲ 4 ዓመት ወዳ ብጉጅለ ዝተዓመፀት ናይ 5 ወርሒ ጥንሳ ዝተቛረፃ ጓል 27 ዓመት ኣዶ ተቐማጢት ከተማ ሸዋሮቢት ንዝኸፍአ ስነ-ልቦናዊ ፀገም ተሳጢሓ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ከተማ ሸዋሮቢት ሃብትን ንብረትን ካብ ምዝራፍን ምዕናዉን ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂኣንስትዮን ዘስካሕካሑ ዓመፃት ፈፂሙ እዩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እዛ ጓል 27 ዓመት መንእሰይ ዝፈፀሞ ተግባር እውን መንነት እቲ ጉጅለ ብቐሊሉ ዘመላኸተ ኢዩ ተባሂሉ።

“ብዓል እንዳኺ ኣባል ፋኖ ኮይኑ ናብ ግምባር ከይዱ እዩ” ብዝብል ኣርባዕተ ኮይኖም ናብ ገዛኣ ብምኻድ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ፈፂሞሙላ እዮም።

ኣብ ቅድሚ ወዲ 4 ዓመት ወዳ ብምውቃዕ ብጉጅለ ከምዝደፈርዋ ተዛሪባ።

ነቲ ወዳ እውን ንስኻ እውን እንትትዓቢ ክትወግኣና ኢኻ ብምባል ከምዘጨነቕዎን ካብ ዓራት ኣልዒሎም ከምዝሰንጎይዎን ትዛረብ እታ ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ፤ ኣብ ውሽጢ ገዛኣ ጥይት ብምትኳስ ኣፈራሪሖምና እውን እዮም ኢላ።

ብዝተፈፀማ መውቃዕቲ ናይ 5 ወርሒ ፅንሳ ከምዝተቛረፀ ዝደለፀት እታ መንእሰይ÷ ንዝለዓለ ስነልቦናዊ ቅልውላው ከምዝተሳጥሐት ተዛሪባ።

ኣብ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ደብረ ብርሃን ሕክምና እናተኸታተለት ትርከብ እዛ ጓል 27 ዓመት መንእሰይ÷ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ቅድሚ ወዳ ዝፈፀሙላ ጥቕዓት ንምርሳዕ ከምዝኸብዳ ገሊፃ።

ሓላፊት መምርሒ ማሕበራዊ ጉዳያት ደቂኣንስትዮን ህፃናትን እቲ ዞባ ወይዘሮ ያለምሸዋ በቀለ፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወሪሩ ኣብ ዝሓዞም ከባብታት ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂኣንስትዮን ታሪክ ይቕረ ዘይብሎ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመን ተግባር እቲ ጉጅለ ኣረመኒያውነቱ ዝገልጽን ከምዝኾነ ኣሪሀን።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment