ብገበን ክሳብ ሞት ፍርዲ ተወሲኑዎም ዝነበሩ 178 ኣባላት ሰራዊት ይቅርታ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 206 (ኤፍ ቢ ሲ)ብገበን ክሳብ ሞት ፍርዲ ተወሲኑዎም ንዝነበሩ 178 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ብሓዱሽ ዓመት ይቅርታ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ምክልኻ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እዛ ሃገር ምስ ዝነበረ ጎንፂ ተተሓሒዙ ሓደ ሓደ ኣባላት ሰራዊት ዝተውሃቦም ሕገ-መንግስታዊ ልኡኽቶ ንደሓር ብምባል ኣብ ረብሓታት ሰራዊትን ህዝቢን ገበን ምፍፃሞም ሓበሬታማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ኣዘኻኺሩ፡፡

ገበን ምፍፃም ስዒቡ ጉዳዮም ብወታደራዊ ስርዓት ፍትሒ ኣቢሉ ክሲ ተመስሪቱዎም ብዝተኸሰሱሉ ገበን ጥፍኣተኛ ኮይኖም ብምርካቦም ኣብ ወታደራዊ ኣቢያተ ፍርዲ ክሳብ ሞት ቅፅዓት ተወሲኑዎም ኣብ ቤት ህንፀት ዝርከቡ 178 ኣባላት ሰራዊት ብዝፈፀሙዎ ገበን ተናሲሖም ናይ ይቕሬታ ሕቶኦም ንመንግስቲን ንሚኒስቴር ምክልኻልን ኣእቲዮም ኢዮም።

ናይ ይቅርታ ሕቶ ምእታዎም ስዒቡ ብሓደ ወገን ጉዳዮም ንቦርድ ይቅርታ ቀሪቡ ብኣዋጅ ቁፅሪ 840/2006 ዓንቀፅ 3 ድንጋገ መሰረት ብምግባር ይቅርታ ምግባር ዘዕውቶም ዕላማታት ኣብ ግምት ብምእታውን እዞም ኣባላት ሰራዊት ብዝፈፀሙዎ ገበን ከምዝተናስሑ ተመልኪቱ።

ሚኒስቴር ምክልኻል ውሳነ ቦርድ ይቅርታ መሰረት ብምግባር ኣብ ህንፀፅ ዝነበሩ 178 ኣባላት ሰራዊት ካብ ሎሚ መዓልቲ 5 ጳጉሜን 2016 ዓ.ም ጀሚሮም ካብ ማእሰርቲ ብይቅርታ ንኽልቀቑ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment