ብጁንታ ህወሓት ተዓጊቶም ካብ ዝነበሩ ብርጋደል ጀነራል አዳምነህ መንገስቴ ሓዊሱ ኣስታት 1 ሺሕ ዝኾኑ ላዕለዎት መኮነናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓራ ወፂኦም

ኣዲስ ኣበባ፤ 30 ህዳር፤2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጁንታ ህወሓት ንእንግዶት ኢሉ ፀዊዑ ዓጊቱዎም ካብ ዝነበረ ብርጋደል ጀነራል አዳምነህ መንገስቴ ሓዊሱ ኣስታት 1 ሺሕ ዝኾኑ ላዕለዎት መኮነናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፥  ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን  ብሓባር ብምዃን ብዝገበርዎ ዳህሳስ ሓራ ወፂኦም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር  ሜጀር ጀነራል መሃመድ ተሰማ ኸምዝበልዎ፥ እቲ ጁንታ ናብ ዝሃደሞ ሒዙዎም እንትጓዓዝ ፀኒሑ ዓዴት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዓጊቱዎም ነይሩ።

ስለዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን  ብሓባር ብምዃን ብዝገበርዎ ዳህሳስን ብዝወሰድዎ ስጉምቲን  ምንም ጉድኣት እንተይበፅሖም ሓራ ወፂኦም ኣለዉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ምሰ ሰራዊቶም ከምዝተሓወሱ ድማ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ገበነኛታት ጁንታ ህወሓት ካብ ዝተሓብኡሉ ሃዲንካ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕ እዉን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment