ብዶ/ር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚንስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ትግራይ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ኢኒስቲትዩት ምርምር ጥዕና እቲ ክልልን ማእኸል መመርመሪ ላቦራቶሪ ኮቪድ-19 ዑደት ዘካየደ እንትኸውን፥ ኣወዳድባ እቲ ማእኸል መመርመሪን ውፉይነት ሰብ ሞያታት ጥዕናን ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ምዕዛቡ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንፅኑዕ ሕሙማት ሓዊሱ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ፈሊኻ ንምሕካም ዝተዳለወ ማእኸል እውን ዑደት ኣካይዱ ኢዩ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ኣዋን እቲ ዑደት ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤልን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ተዛቲየን ኢየን።

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቃፅፃር ልዑል ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ምዃኑ ዝነኣዳ እተን ሚኒስትር፥ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓገዝ ከምዝግበር ኣብሪሀን።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ብግደኦም፥ ኣብ ትግራይ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መንግስቲ ፌዴራል ብር 34 ሚሊየን ዝኸውን ሓገዝ ከምዝገበረ ብምሕባር ንዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

እቶም ሓላፊ፥ እቲ ቫይረስ ዝርግሕኡ ኣናወሰኸ ምስ ምምፅኡ ተተሓሒዙ ኣብቲ ክልል ብፍላይ ካብ ዶባት ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣትዉ ስደተኛታት፣ ካብ ስደት ዝምለሱን ገናሕቲ መኪና ስግረዶብን ዘሎ ተቓላዒነት ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ፌዴራል ዋኒነይ ኢሉ ምስቲ ክልል ንኽሰርሕን ዝግበር ሓገዝ ዘላቕነት ንክህልዎን ሓቲቶም።

ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ሊያ ድማ መንግስቲ ፌዴራል ዓቕሚ ብዝፈቐዶ ኩሉ ንክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ምቁፅፃርን ምክልኻልን እቲ ቫይረስ እናሰርሓ ዝርከባ ትካላትን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን።

ንክልላት ዝግበር ሓገዝ ብስልሒት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መሰረት ብምግባር ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ብውሱን መልክዑ ድማ ክልላት ኣብ ዶብ ኣከባቢ ንዝሰርሐኦ ስራሕ፤ ከምኡ እውን ዘለወን ስግኣት ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment