ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዲጂታል ኣማራፂታት 5 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ዝውውር ከምዝፈፈፀመ ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ዲቪዥን መርቻንትን ኤጀንት ማኔጅመንትን ዲጂታል ባንኪንግ እቲ ባንኪ ብሌን ሃይለሚካኤል ከምዝበለኦ÷ እቲ ባንኪ 30 ሚሊየን ተጠቀምቲ ሲቢኢ ብርን 9 ሚሊየን ተጠቀምቲ ሞባይል ባንኪንግ ኣለዉዎ።
ካብዚ ብተወሳኺ 21 ሚሊየን ካርድ ባንኪንግን ልዕሊ 4 ሺሕ ፖስ ማሽንን ተጠቀምቲ ከምዘለዉዎ ገሊፀን፡፡
በዞም ዲጂታል ኣማራፂታት ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዱሽተ ኣዋርሕ 910 ሚሊየን ዕድጊታት ከምዝተሳለጡ ኣብሪሀን።
በዚ ድማ 5 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ዝውውር ዝተፈፀመ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን 79 ሚኢታዊ ዝውውር ገንዘብ እቲ ባንኪ ብዲጂታል ኣማራፂታት ከምዝውገን ንግዜኢ ተዛሪበን፡፡