ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ርችት ምትኳስ ክልኩል ኢዩ – ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ርችት ምትኳስ ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሕዚ ብዘይሕጋዊ መገዲ ጦር መሳርሒ ዘዘዋውሩ ኣካላት በዓላት ሓሊዮም ርችት ሽፋን ብምግባርን ዝተፈላለዩ ጦር መሳርሒታት ከምዝትኩሱ ምርግጋፁ እቲ ፖሊስ ገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ጉድኣት ዘብፅሑ ሓደጋታት ከምዘጋጠሙ ዘዘኻኸረ ፖሊስ÷ ንሰላምን ድሕንነት ሕብረተሰብ እንትበሃል ርችት ምትኳስ ፍፁም ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብ ርችት ብዘይምትኳስ ንኽተሓባበርን እቲ ክልከላ ዝጠሓሱ ኣካላት እንተጋጥሙ ንፖሊስ ከፍልጥ ተሓቲቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment