ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ዝኣትወና ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣይትዕገስን-ኣይ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ቀደማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን  ኣብ መበል 76 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኒዮርክ መደረ ገይሮም፡፡

መትከላት ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ናይ ሓባር ተረባሕነትን ኣብ ሉእላኣውነት ሃገራት ጣልቃ ዘይኣቱ ምዃን ግልፂ ኢዩ ኢሎም።

ሃገረይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ለውጢ ብምግባር ንዲሞክራሲ፣ ንልምዓት ሰብ፣ ሰብኣዊ መሰልን ቀጣናዊ ሰላምን ምርግጋዕን ንክነግስ፣ ንዝተፈላለይ ፓርቲታት ፖለተካን ድልየት ዘለዎምን ጉጅለታት ናይ ዘተን ሓድነትን በሪ ንክኽፈት ገይራ ኢያ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ተኸፊቱ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ደመቀ፥ እቲ ሪፎርም ብዘይ ፈተና ኣይተፈፀመን ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከይዲ ረብሓይ ተነኺኡኒ ዝበለ ገበነኛ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ብምብፃሕ ብዙሓት ጥፍኣታት ድሕሪ ምፍፃሙ መንግስቲ ሕጊ ንምኽባርን ሃገር ካብ ምጥፋእ ንምድሓን ስጉምቲ ከምዝወሰደ ሓቢሮም።

መንግስቲ ሰብኣዊ ድጋፍ እንትገብር እቲ ጉጅለ ነቲ ድጋፍ የተዓናቕፍን ስቓይ ዜጋታት ንክጋደድን ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ህዝብና ብመንፅር ዘለዎ ፀገም እኹል ኢዩ እንተዘይበልና እውን መንግስቲ ሰብኣዊ ድጋፍ ንክግበር መንግስታዊ ግዴትኡ ንምወፃእ ብምስራሕን ዝተፈፀሙ ገበናት ንክምርመሩ ከምኡውን ስጉምቲታት ንክውሰዱ ገይሩ ኢዩ ኢሎም ኣይተ ደመቀ።

እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብዝኸፍሎም ሚዲያታት ፕሮፓጋንዳን  ዝተሰሓሓተ ኣረኣእያ ፖሊሲን ናይ ወፃአ ፖሊሰ እንትጠሓስ ተራእዩ ኢዩ ብምባል ገሊፆም።

ስለዝኾነ እቶም መርህታት ክኽበሩ ኣለዎም ኢሎም።

ካብ ፈተውቲና ዝመፅእ ሃናፂ ምክረ ሓሳብ ብእወንታዊ ጎኑ እንርእዮ እንትንከውን፥ ሐዚ ዘጋጠመና ፈተና ካብ ዓቕሚና ንላዕሊ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዝተጀመረ ስጉምቲ ምድገፍ ሰላም እቲ ቐጣና ምድጋፍ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ዝኣትወና ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣይትዕገስን ኢሎም ኣይ ደመቀ መኮነን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment