ብዝተፈላለዩ ፀገማት ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሓገዝ ንኽግበር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ብተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ሓገዝ ንኽገብር ማሕበር ቀይሕመ ስቀል ኢትዮጵያ ፀዊዑ።

ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ዘብፅሑዎ ፅዕንቶ ብምፅዋር ዘኽእል ሓገዝ እናተገበረ ከምዝኾነ ሓላፊ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ማሕበር ዶክተር ሰለሞን ዓሊ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከባቢታት ሰሜን ጎንደር፣ ደቡብ ጎንደር፣ ሰሜን ወሎን ደቡብ ወሎን ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ልዕሊ 150 ሺሕ ዜጋታት ምግቢ ተንከፍን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ናውቲ ከምኡ እውን መድሓኒትን ኣምቡላንሳትን ሓገዝ ከምዝተገበረሎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ሆስፒታላት ደባርቕ፣ ጎንደር፣ ኮምቦልቻ፣ ደሴን ሃይቅን እውን ሓገዝ መድሓኒት ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።

እቶም ሓላፊ፥ ሕብረተሰብ ኣብ ውሽጢ ፀገም ንዝርከቡ ወገናት ትፅቢት ዝግበረሉ ሓገዝ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment