ብዝተፈላለዩ ገበናት ተጠርጢሩ እናተደለየ ዝነበረ ዘመነ ካሴ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝተፈላለዩ ገበናት ተጠርጢሩ እናተደለየ ዝነበረ ዘመነ ካሴ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ገሊፁ።

እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ከተማ ባህርዳር ቀበሌ 3 ኣብ መንበሪ ገዛ ሓደ ውልቀሰብ ተሓቢኡ ብሓበሬታ ሕብረተሰብ ከምዝትሃዘ ምክትል ሓላፊ ዘፈር ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኮማንደር ክንዱ ወንዴ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ እዋን ልዕሊ 500 ሺሕ ብእግዚቢት ከምዝሓዘ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ዝተረፉ ከይዲታት ምርመራታትን ፍተሸን እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እቶም ኮማንደር ምሕባሮም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment