ብዝተውሃቦም ፍቓድ ንግዲ መሰረት ገይሮም ዘይሰርሑ 19 ትካላት ስጉምቲ ተወሲዱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝተውሃቦም ፍቓድ ንግዲ መሰረት ገይሮም ዘይሰርሑ 19 ትካላት ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ኣብ 206 ትካላት ብዝገበሮ ስራሕ ድህረ ፍቓድ ኢንስፔክሽንን ሬጉላቶሪን 19 ዝኾኑ ትካላት ብመሰረት ዝተውሃቦም ፍቓድ ንግዲ እናሰርሑ ከምዘይኮኑ ተመልኪቱ፡፡

ብምዃኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ብዝተገበረ ምፅራይ ኣብ 11 ትካላት እገዳ ፍቓድ ንግዲ ስራሕ ኣብ ሸሞንተ ድማ ናይ ፅሑፍ መጠንቀቕታ ተወሲዱዎም፡፡

ብካሊእ መዳይ 187 ትካላት ብሕጋዊ ኣግባብ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ምርግጋፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment