ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ወቕዒ (ስትሮክ) ኣቐዲሙ ዝዀነ ዓይነት ምልክት ከየርኣየ ሃንደበት ከውድቐካ ኣዝዩ ዝኸፍአን ሓደገኛን ሕማም ‘ዩ።
ስትሮክ ብብርኪ ዓለም ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ ቀታሊ ሕማም ከም ዝኾነ ዝሕብር ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 15 ሚልየን ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝተሓዙ የመልክት።
ካብዚኦም እቶም 5 ሚልየን ዝኾኑ ብሰንኪ እቲ ሕማም ንሞት ክቃልዑ እንከለዉ፥ ካልኦት 5 ሚልየን ድማ ንቐዋሚ ኣካላዊ መጕዳእቲ ይቃልዑ።
ይኹን እንበር ስትሮክ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም ከመዝኾነ ድማ ይግለፅ።
ስትሮክ እንታይ እዩ?
ካብ ሓፈሻዊ ክብደት ሰብነትና ነቲ 2 ሚእታዊት ብፅሒት ጥራሕ ዝወስድ ሓንጐልና፥ ነቲ ኣብ ሰብነትና ዘሎ ቀረብ ደም ከኣ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚእታዊት ይጥቀም።
ሓንጐልና በዚ ዑደት ደም ኣቢሉ’ዩ ኦክስጅንን ካልኦት ኣገደስቲ ንጥረ-ነገራትን ዝረክብ።
እዚ መስርሕ ዑደት’ዚ ንፃት ‘ውን እንተኾነ ክቋረፆን ወይ ክሰናኸል ኣይደልን፤ ዑደት ደም እንተተቛሪፁ ንጥፈታት ሓንጐል’ውን ብኡ ንብኡ ደው ከምዝብል ተመራመርቲ ጥዕና ይገልፁ።
እምበኣር ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ደም ናብ ሓንጐል ምኻድ ደው ኣብ ዘብለሉ እዋን’ዩ ስትሮክ ዘጋጥም።
ዓይነታት ስትሮክ
- ‘ሚኒ ስትሮክ‘ – ንሓፂር እዋን ዝፀንሕን ክሓዊ ዝኽእልን ዓይነት ስትሮክ’ዩ።
- ደም ናይ ምፍሳስ ስትሮክ – ኣብ ውሽጢ ሓንጐል ሃንደበት ዘጋጥም ምፍሳስ ደም ዘኸትሎ ዓይነት ስትሮክ ኰይኑ ብብብርኪ ዓለም ካብ ዘጋጥሙ ሕማማት ስትሮክ ነቲ 15 ሚእታዊት ይሽፍን።
- ምዕፃው ሰራውር ደም ዘኸትሎ ስትሮክ – ናብ ሓንጐልና ደም ዘመሓላልፉ ሰራውር ወይ ሓደ ሱር ክዕፆ እንከሎ ከጋጥም ዝኽእል’ዩ። እዚ 85 ሚእታዊት መንቀሊ ስትሮክ ከም ዝዀነ ይግለፅ።
ናብ ስትሮክ ዘቃልዐና እንታይ‘ዩ?
ስትሮክ ኣቐዲምና ክንከላኸሎም ብእንኽእልን ዘይንኽእልን ምኽንያታት ከጋጥም ይኽእል’ዩ።
እዞም ምኽንያታት ድማ ሱር ደም ንኽዕፆ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሓንጐል ደም ክፈስስን ስትሮክ ከጋጥምን ክገብሩ ይኽእሉ።
ፀቕጢ ደም፣ ሕማም ሽኮር፣ ኣብ ውሽጢ ደም ስብሒ እንተተኣኪቡ፣ ምትካኽ ሽጋራ፣ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ኣብ ውቅዒት ልቢ ዘጋጥም ፀገምን እቶም ክንከላኸሎም እንኽእል መንቀሊታት ስትሮክ ‘ዮም።
ኣብ ውሽጢ ስድራ ስትሮክ ዘለዎ ሰብ ምህላውን ምውሳኽ ዕድመን (ልዕሊ 40 ዓመት) ንስትሮክ ከቃልዑና ዝኽእሉ ግን ንምክልኻሎም ዘፀግሙ ምኽንያታት ከም ዝኾኑ ምግንዛብ የድሊ።
ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂኣንስትዮ ብዝለዓለ ንስትሮክ ዝተቓልዑ ኢዮም። ከኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ ምዝውታር’ውን መንቀሊ እቲ ሕማም ክኸውን ከም ዝኽእል ይግልፅ።
ፀቕጢ ደም፥ ኣብ ውሽጢ ሓንጐል ደም ንኽፈስስን ስትሮክ ንኸጋጥምን ቀንዲ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይፍለጥ።
ኣብ ውሽጢ ርእሲ ዝፍጠር ፅኪ፣ ደም ንምቕጣን ብዝብል ዝውሰዱ መድሃኒታት ወይ ብኻልእ ምኽንያት ዘጋጥም ምቕጣን ደም፣ ኣብ ርእሲ ዘጋጥም ሓደጋ፣ ከም ኮኬይን ዝኣመሰሉ እፃት፣ ነቲ ደም ብምፍሳስ ዘጋጥም ስትሮክ ጠንቅታት’ዮም ይብሉ ሰብ ሞያ ሕክምናን ተመራመርቲ ጥዕናን።
ብኻልእ ወገን ስርዓት ኣመጋግባና ሕማም ሽኮር ከኸትል ይኽእል’ዩ። በዚ ድማ ስትሮክ ክስዕብ ይኽእል። ካብዚ ሓሊፉ ምውሳኽ ክብደት ሰብነት ንስትሮክ ዘቃልዐሉ ኩነታት ኢዮም።
ብፍላይ ጮማን ቅብኣትን ዝበዝሖም መግብታት ምዝውታር ኣብ ውሽጢ ደም ስብሒ ክእከብን ሰራውር ደም ክዕፀዉ ወይ ክፀቡ ብምግባር ስትሮክ ከጋጥም ምኽንያት ይኸውን።
ብዘይካ’ዚ ጨውን ሙቁራት ነገራትን ምንካይ ከምኡ ድማ እንተተኻኢሉ ምትካኽ ሽጋራ ምቁራፅ ንስትሮክ ዝህሉ ተቓላዕነት ይንክይ’ዩ።
ንድፍኢት (ፀቕጢ) ደም ንነዊሕ እዋን ከይተቖፃፀሩ ዝፀንሑ ሰባት ንስትሮክ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ሰፊሕ’ዩ።
ካብ ኣባላት ስድራ ስትሮክ ዝተትሓዙ ዘለዎም ሰባት ኮይኖም ሓሓሊፉ መቕጠኒ ደም መድሓኒት ዝወስዱ ቀልጢፎም ክትትል ሕክምና ክገብሩ ይግባእ።
ምልክታት ስትሮክ
ስትሮክ ኣቐዲሙ ዝኾነ ዓይነት ምልክት ከየርኣየ ከጋጥም ይኽእል’ዩ።
እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝብልዎ፥ ሓደጋኡ ዝውሰን ብመጠን እቲ ጉድኣት ዝበፅሖ ክፍሊ ሓንጐል ይኸውን።
ንኣብነት እቲ ጉድኣት ኣብቲ ንሚዛን ሰብነትና ዝቆፃፀር ክፍሊ ሓንጐልና እንተወሪዱ ሚዛንና ክንሕሉ ንፅገም።
ሰብነት ዘይምቁፅፃር፣ ክትዛረብ ምፅጋም፣ ክእለት ምዝካር ምንካይ፣ ኣብ ምርኣይ ዘጋጥም ጸገም፣ ገለ ክፋል ገፅ ምጥዋይ ወይ ምዝንባል፣ ከቢድ መርዘን ርእሲ፣ ምድንዛዝን ውነኻ ምስሓትን ከጋጥም ይኽእል።
ክሓዊ ይኽእል’ዶ?
ነዚ ዝወሃብ መልሲ፡ “ከም መጠን ጉድኣቱ” ዝብል’ዩ።
ብፍላይ እቲ ምስ ምፍሳስ ደም ዝተሓሓዝ ስትሮክ ክሳብ ሞት ከም ዘብፅሕ ይግለፅ።
እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ንእሽተይ እንተዀይኑን እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ሰባት ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና እንተተወሲዶምን ንዅነታቶም ቀስ ብቀስ ናብ ዝነበሮ ምምላስ ይከኣል’ዩ።
ሓደ ብስትሮክ ዝተጠቕዐ ሰብ ኣብ ካልእ እዋን መሊሱ ክጥቀዓሉ ዝኽእል ኵነታት ከም ዘሎ አውን ይሕበር።
ስለዚ ብፍላይ እቶም ምርጋእ ደም ንምክልኻል ዝውዕል መድሃኒት ብኣግባቡ ዘይምጥቃም ስትሮክ ዳግማይ ዘጋጥመሉ ኵነታት ዝፈጥር’ዩ።
ኣገባብ ናብራና ጥንቃቐ ዝተመልኦ ምግባር ሓደ ካብ ሜላታት ቅድመ ምክልኻል ከምዝዀነ ይግለፅ።
ብተወሳኺ እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልታት ን30 ደቓይቕ ዝፀንሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር የድሊ።
ኣሕምልትን ፍራምረን ምብዛሕ፣ ወልፍታት ምውጋድ ቅብኣት ዝበዝሖም መግብታት ምንካይን ብኣጋ ካብ ስትሮክ ንምርሓቕ ከም ዝሕግዙ ድማ ይግለፅ።
ጉድኣት ዘጋጥሞም ሰባት ኣብ ውሽጢ 4 ሰዓታት ግዜ ናብ ትካል ጥዕና ክበፅሑ እንተኽኢሎም ነቲ ሓደጋ ምንካይ ይከኣል ከምዝከኣል እቶም ሰብ ሞያ ይሕብሩ።
ብቐፃሊ ክትትል ሕክምና ምግባር’ውን ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ይግለፅ።
ፍልፈል፦ቢቢሲ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።