ብዙሕነትና ብግቡእ ሒዝና ንምዕባለ ኢትዮጵያ መሰረት ክነንብር ኢና ክብላ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ጉባኤ መዓልቲ መኽፈቲ ኣፍ ቋንቋ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ወይዘሮ ኣሚና ሴኮ ኣብቲ ስነ-ስርዓት፥ ብዙሕነት ቋንቋ ይኹን ኣመለኻኽታ ከምኡ እውን ናይ ባህሊ ብዙሕነትና ብግቡእ ምጥቃም እንተኽኢልና ጥንክርቲ ሃገር ብምፍጣር መሰረት ምዕባለ ክነንብር ኢና ኢለን።

መንግስቲ እቲ ክልል፥ ባህሊን ቋንቋን ህቢ ዓፋር ተሓሊዩ ቋንቋ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንኽኸውን ግቡእ በጀት ብምምዳብ ማእኸል ምርምር ከፊቱ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ዓፋርኛ መዛረቢ ቋንቋ እቲ ክልል ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መምሃሪ ብምዃን ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ሃገራዊ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንኸበርክት ምቹው ኩነታት ከምዘሎ እውን ተዛሪበን።

ተወካሊ ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ኣውላቸው ሹምነካ ብግደኦም፥ ምምዕባል መኽፈቲ ኣፍ ቋንቋታት ንኩለመዳይ ዕቤት ሃገር ቁልፊ መሳርሒ ስለዝኾኑ ብኹሉ ብርኪ ክሕለዉ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን እውን ሕገመንግስቲ ንብዙሕነት ቋንቋት ካብ ዝሃቦ ኣፍልጦ ብተወሳኺ ነቲ ብዙሕነት ብግቡእ ተቐቢሉ ከተኣናግድ ዝኽእል ሃገራዊ ፖሊሲ ቋንቋታት ሓንፂፁ እናተንቀሳቐሰ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment