ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፓ ዶባተን ይኸፍታ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ኣውሮፓ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣንቢረንኦ ዝነበራ ዕፅዋ ምፍኳስ ጀሚረን ተባሂሉ።

እተን ሃገራት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚረን ግላጋሎት ካፌታ፣ ሬስቶራንት፣ ሹቕን ግልጋሎት ትራንስፖርት ህዝቢን ዝጅምራ እንትኾና፥ ዶባተን ከምዝኸፍታ እውን ኣፍሊጠን።

ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ሹቓት ንፈለማ እዋን ዝተኸፈቱ እንትኾኑ፥ ግልጋሎት ትራንስፖርት ህዝቢ እውን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንተገልገልቲ ክፍቲ ኮይኑ ኣሎ።

እቶም ተገልገልቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ናይ ምግባር ግቡእ ከምዘለዎም እውን ተገሊፁ ኢዩ።

ኣባላት ፖሊስ ሓዊሱ 3 ሺሕ አባላት ዘለዉዎ ተቐፃፃሪ ጉጅለ ከምዝተጣየሸ ተሓቢሩ።

ብኻሊእ መዳይ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ሃገሮም ፈረናሳይ ኣብ ልዕሊ እቲ ቫይረስ ፈላማይ ዓወታ ከምዘመዝገበት ገሊፆም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ካብ ኣባል ሃጋራት ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ፈረንሳይ ዝኣትዉ መገደኛታት ዶባ ክፍቲ ከምግባራ ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ ቤት ብልዒን ካፌታትን ግልጋሎት ዝህቡ እንትኾኑ፥ ኣቢያተ ትምህርቲ እውን ብዘይካ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ካልኣይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲን ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክምለሳ ኢየን ተባሂሉ።

እቶም ፕሬዚዳንት ቫይረስ ኮሮና ዳግም ክምለስ ስለዝኽእል ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብተመሳሳሊ ዜና ጀርመን፣ ቤልጂየም፣ ስዊዘርላንድን ክሮሺያ፣ ቼክ ሪፐብሊክን ግሪክን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚረን ዶባተን ከምዝኸፍታ ዝገለፃ እንትኾና፥ ኦስትሪያድማ ካብ ፅባሕ ጀሚራ ከምትኸፍት ኣፍሊጣ ኣላ።

ስፔን እውን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዶባታ ንበፃሕቲ ክፍቲ ከምትገብር ገሊፃ ኢያ።

ስዊድንን ሉክዘምበርግን ምስ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ዶባተን ዘይዓፀዋ ሃገራት እንትኾና፥ ጣሊያን ድማ ኣቐዲማ ዶባታ ምኽፋታ ይዝከር።

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 7 ነጥቢ 9 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ልዕሊ 433 ሺሕ ሰባት ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment