ብዘጋጠመ ድርቂ ሰባትን እንስሳታትን ከይጉድኡ ብስፍሓት ይስራሕ ኣሎ – መንግስቲ ክልል ሶማሌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ክልል ብዘጋጠመ ድርቂ ሰባትን እንስሳታትን ከይጉድኡ ብስፍሓት እናተሰርሐ ከምዝርከብ መንግስቲ ክልል ሶማሌ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ምስ መሓዙት ኣካላት ብምሕብባር ኣብ ከባቢታት እቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ስዒቡ፥ እቲ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን እንስሳን ዝኸፍአ ጉድኣት ከይበፅ ንዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ እናቕረበ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዞባ ሸበሌ ወረዳ ቤር-ኣኖር ዝርከቡ ነበርቲ ጣቢያታት ቆራህዳ፣ ገላ-መደቦ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይን መኖ እንስሳን ምብፅሑ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ መሓመድ ኣብዱላሂ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ወረዳ ዝርከባ 15 ጣቢያታት ዝነብሩ ነበርቲ ህፁፅ ሓገዝ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ካብ ወረዳታት ደንን ጎደይን ከምኡ እውን ምስ ጎረባብቲ ወረዳታት ኖጎብ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ እናቐረበሎም ይርከብ፡፡

ኩነታት ድርቂ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ እንተኾኑ፥ ነበርቲ እቲ ዞባ ካብ ድርቂ ንምድሓን፣ ወሰን መትረብ ሸበሌ ንልምዓት ግብርና ክጥቀሙ ሰፊሕ መሬት ከምዝሰናዳእ እቶም ኣመሓዳሪ ምዝራቦም ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment