ብዘይካ እኹል ተሳትፎ ህዝቢ ዝስራሕ ስራሕ ሙሉእ ክኸውን ኣይከኣልን-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይካ እኹል ተሳትፎ ህዝቢ ዝስራሕ ስራሕ ሙሉእ ክኸውን ኣይከኣልን ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

“ሰላምና ዘላቕን ህዝባዊ መሰረት ዘለዎን ንምግባር ሎሚ ኣሰልጢንና ዘመረቕናዮም 11 ሺሕ ሓደሽቲ ምልምላት ኣባላት ሰራዊት ሰላም ሓዊሱ 341 ሺሕ ኣባላት ሰራዊት ሰላም ዘብዒ ሰላም ከተማና ብምግባር ኣዋፊርና” ክብላ እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ ገሊፀን።

ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ነባሪ ብዝተወደበ መገዲ ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ብምውዳድን ቀንዲ በዓል ዋና ሰላም ምግባርን ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።

ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተረኸቡ ወፅኢታውን ዕዉታትን ስራሕቲ ብተወሳኺ  ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ ምቹእቲን ሰለማዊትን ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment