ብዘይሕጋዊ ወራር ዝተትሓዘ 560 ሺሕን 233 ካሬ መሬት ናብ ባንኪ መሬት ንኽምለስ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘይሕጋዊ ወራር ዝተትሓዘ 560 ሺሕን 233 ካሬ መሬት ብምኽንያት እገዳ ቤት ፍርዲ ናብ ባንኪ መሬት ንኽምለስ ከምዝተወሰነ ተገሊፁ።

ቢሮ ቾሙዩኒኬሽን ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ 10 ክፍለ ከተማታት ብዝተገበረ ዳህሳስ መፅናዕቲ መሬት፤ 560 ሺሕን 233 ካሬ መሬት ብዘይሕጋዊ ወራር ዝተትሓዙ መሬታት ብምኽንያት እገዳ ቤት ፍርዲ ናብ ባንኪ መሬት ንኽምለስ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝተገበረ ኦዲት፥ ቤትፍርዲ እገዳ ዘንበረሎም ዝኾነ ይኾን ዓይነት ተግባር ልምዓት ዘይተሰርሐሎም ባዶ መሬታት እውን ተመልኪቱ ኢዩ፡፡

እገዳ ዝተገበረሎም ሰባት እውን ዝኾነ ዓይነት ናይ በዓልቤትነት ሓበሬታ ይኹን መረዳእታ ዘይብሎም ከምዝኾ ኣብቲ ፀብፃብ ኦዲት ምርግጋፅ ከምዝተኸኣለ ተገሊፁ።

ሕጊን ስርዓትን ኣብ ምኽባር ስራሕ ወረራ መሬት ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ክትግበር ኣለዎ ኢሉ ብፅኑዕ ከምዝኣምን እውን እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ መግለፂኡ ምሕባሪ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment