ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝተሰርሑ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ብኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ሃገር ክትስእኖ ዝነበረት ልዕሊ 84 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።
ኮሚሽን ጉምሩኽ፣ ሚኒስቴር እቶት፣ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን፣ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራልን ሚኒስቴር ፍትሒን÷ ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብምውዳድ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝጠመተ ልዝብ ኣካይዶም፡፡
ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ደበሌ ቃበታ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኮንትሮባንድብ ዘሕይጋዊ ንግዲን ኣብ ሃገር እናብፀሖ ዘርከብ ኩለመዳይ ጉድኣት ንምምካት እቲ ኮሚሽን ምስ ዝተፈላለያ ትካላት ብምውዳድ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ብዝተሰርሑ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ብኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ሃገር ክትስእኖ ዝነበረት ልዕሊ 84 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።
ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ኣብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ኤርፖርት ጥራሕ ልዕሊ 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ከምዝተትሓዙ ምግላፁ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com