ብዘይሕጋዊ መገዲ 6 ሺሕን 200 ግራም ወርቂ ዘዘዋውሩ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ 6 ሺሕን 200 ግራም ወርቂ ዘዘዋውሩ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ከተማ ሰመራ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣኽሱም ኣብ ዝጓዓዝ ተሽከርካሪ ውሽጣዊ ክፍሊ እቲ ወርቂ ብምሕባእ ንምሕላፍ እንትፍትኑ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ሰራሕተኛታት ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ብመሰረት ዝተገበረ ክትትል እቶም ተጠርጠርቲ ከምዝተትሓዙ ተሓቢሩ።

ገብረ ስላሴ ዮሃንስን ኣለማየሁ ሰማሞን ዝተብሃሉ ገናሒ መኪናን ሓጋዚን ምስ ኤግዚቢቶም ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ብምውዓል ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

Comments (0)
Add Comment