ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወሩ ዝነበሩ ልዕሊ 2 ሺሕ ጠያይቲ ክላሽንኮቭን 68 ሽጉጣትን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ብሓባር ብዝሰርሑዎ ዝተዋደደ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ኣካል ተሸከርካሪት ብሕቡእ ዝተዳለወ ቦታ ተፃዒኖም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣትዉ ልዕሊ 2 ሺሕ ጠያይቲ ክላሽንኮቭን ጠበንጃን 68 ሽጉጣትን ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

2 ሺሕን 475 ጠያይቲ ክላሽንኮቭን ጠበንጃ ክተሓዙ ዝኸኣሉ፥ 30 ሕዳር 2014 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ 10 ፍሉይ ሽሙ ሰፈረ ሰላም ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝርከብ ማዕኸል ዕዳጋ ከምዝኾነ ኢዩ ፖሊስ ዝሓበረ፡፡

ሰለስተ ተጠርጠርቲ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ እንትኾኑ፥ ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ መልክዑ ምስ ዝተፈላለዩ ዝሽየጡ ኣልባሳት ብሲሚንቶ ወረቐት ተጠቕሊሎም ብመዳበሪያ ተፃዒኖም ብሰብ ተፀይሮም እንትንቀሳቐሱ ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፅሐ ሓበሬታ ከምዝተትሓዙ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረሐብና㝕 ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment