ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝበረ ናይ ወፃኢ ሃገር ገንዘብ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ከሕብረተሰብን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምውዳድ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝበረ ናይ ወፃኢ ሃገር ገንዘብ ምሓዙ ኣፍሊጡ።

ብዝተኻየደ ወፍሪ 27 ሺሕ 491 ዶላር ኣሜሪካ፣ 15 ሺሕን 325 ዩሮ፣ 680 ፓውንድ፣ 6 ሺሕን 689 ናይ ኤርትራ ናቕፋ፣ 5 ሺሕን 200 ፍራንክ ስዊዝ፣ 500 ክዋንዛ ኣንጎላ፣ 1 ሺሕን 680 ናይ ኳታር ሪያል፣ 1 ሺህ ክሮን ኖርዌይን 49 ሺህ 735 ብትን ከምኡ እውን ብዙሓት ሒሳብ ባንኪ ደብተርን ልዕሊ 71 ተጠርጠርቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረ ከምዝርከብ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብ÷ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ሃገር ዘስዕቦ ሓደጋ ከቢድ ከምዝኾነ ተገንዚቡ ዘጠራጥሩ ነገራት እንትምልከት ኣብ ጥቕኡ ንዝርከቡ ኣካላት ፀፅታ ብምሕባር ዝተለመደ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፖሊስ ፃውዒት ምቕራቡ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment